ማይንድ-ፈታልነስ

ምንቅስቓስ ዕሸል ንምስትውዓል ዝሕግዝ ሜላ

pregnant woman

እቲ ናይ መጀመርታ ምንቅስቓስ ናይቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ዕሸል ዝስምዓኪ ስምዒት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ልስሉስ ትኽቲኽታ ይግለጽ። ጥንሲ እናማዕበለን እቲ ዕሸል እናዓበየን ብዝኸደ መጠን ድማ፡ እቲ ምንቅስቓሳት ዝያዳ ንጹር ይኸውን። ልክዕ ከምቲ ሓደሽቲ ዝተወልዱ ዕሸላት ዝፈላለዩ፡ ኣብ መንጎ ዘይተወልዱ ዕሸላት እውን ፍልልያት ኣሎ። ገሊኦም ዕሸላት ኣብ ማህጸን ኣብ ዘለዉሉ እዋን ኣዝዮም ንጡፋት ክኾኑ ከለዉ፡ ካልኦት ድማ ህዱኣት እዮም፤ ግና ኩሎም ዕሸላት ክሳዕ ዝውለዱ ይንቀሳቐሱ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ዕሸል ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ምንቅስቓስ ቅዲ ኣለዎ፡ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ ድማ እቲ ቅዲ ብቐሊሉ ክፍለጥ ይከኣል። እቲ ዕሸል ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣብ ዘለዎ ናይ ንቕሓት እዋናትን፡ ህዱእ ኣብ ዝኾነሉ ናይ ዕረፍቲ እዋናትን እናቐያየረ የሕልፎ። ብዝሒ ምንቅስቓሳት ኣብ ከባቢ መበል 32 ሳምንቲ ጥንሲ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ይበጽሕ። ክሳዕ እዋን ሕርሲ ድማ ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ መጠን ይጸንሕ። እቲ ዕሸል እናዓበየ ብዝኸደ መጠን ምንቅስቓሳቱ ዝያዳ ድልዱል ይኸውን፡ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ ግና ምስቲ ቀዲሙ ዝስምዓኪ ዝነበረ ምንቅስቓሳት ክነጻጸር ከሎ ዝተፈልየ ኮይኑ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ።

እቲ ዕሸል ምንቅስቓሱ ጽቡቕ ምልክት እዩ፡ ብዙሓት ነፍሰጾራት ድማ መዓልታዊ ንምንቅስቓስ ናይቲ ዘይተወልደ ዕሸል ከም ዘስተብህላሉ ይገልጻ። ምንቅስቓስ ናይቲ ዘይተወልደ ዕሸል ብስርዓት ንምዕዛብን ናይ ምንቅስቓስ ቅዲኡ ንምፍላጥን ዝሕግዝ ሜላ፡ ማይንድ-ፈታልነስ (Mindfetalness) ይብሃል። ማይንድ-ፈታልነስ ንምጅማር ዝምረጽ ግዜ ካብ መበል 28 ሳምንቲ ጥንሲ ኣትሒዙ እዩ።

ማይንድ-ፈታልነስ ብኸመይ ይትግበር

ማይንድ-ፈታልነስ መዓልታዊ እንተ ተተግበረ ይምረጽ። እቲ ንዓኺ ብዝበለጸ ዝጥዕመ ሰዓት ባዕልኺ ትመርጺ፡ ግናኸ ኩሉ ግዜ እቲ ዕሸል ንቑሕ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ምህላዉ ክሳዕ ዝስምዓኪ ተጸበዪ። ማይንድ-ፈታልነስ ኣብ እትፍጽምሉ እዋን ብምቾት ተጋደሚ ወይ ኮፍ በሊ። ምግዳም እንተ መሪጽኪ፡ ብጸጋማይ ጎንኺ እንተ ተጋደምኪ ይምረጽ። ኣብ እትጋደምሉ እዋን እቲ ምንቅስቓሳት ዝያዳ ንጹር ኮይኑ ይስምዓኪ፡ ብጸጋማይ ጎኒ ምግዳም ድማ ናብ ማህጸን ዝኸይድ ዋሕዚ ደም ዝበለጸ ይገብሮ፡ እዚ ድማ ነቲ ዕሸል ጽቡቕ እዩ። ኣብ ምንቅስቓሳት ናይቲ ዕሸል ንኣስታት 15 ደቓይቕ ኣተኩሪ። ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓሳት ጽቡቕ ግንዛበ ንምርካብ ዝነውሐ ወይ ዝሓጸረ ግዜ ዘድልየኪ እንተኾይኑ ባዕልኺ ከተስተውዕልዮ ኢኺ።

ኣብ እዋን ማይንድ-ፈታልነስ ኣብ ምንቅስቓሳት ናይቲ ዕሸል ተተኩሪ፤

ሓይሊ ናይቲ ምንቅስቓሳት
እቲ ዕሸል ብኸመይ ከም ዝንቀሳቐስ
እቲ ዕሸል ክሳዕ ክንደይ ከም ዝንቀሳቐስ

መልሲ ክረኽቡ ዘለዎም ሕቶታት ድማ፤

እቲ ምንቅስቓሳት ብንጹር ይስምዓኪ ድዩ?
እቲ ምንቅስቓሳት ከምቲ ልሙድ ድልዱል ድዩ?
እቲ ዕሸል ዳርጋ ከምቲ ልሙድ መጠን ይንቀሳቐስ ኣሎ ድዩ?

ምንቅስቓስ ዕሸል ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ

ምንቅስቓስ ናይቲ ዘይተወልደ ዕሸል ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምድባት ክምቀል ይከኣል፤ ዓበይቲ ምንቅስቓሳትን ንኣሽቱ ምንቅስቓሳትን። እቶም ዓበይቲ ምንቅስቓሳት ብንጹር ይስምዑ፡ ንኣብነት እቲ ዕሸል ክረግጽ ከሎ ወይ ኣካላቱ ክዝርግሕ ከሎ ክኸውን ይኽእል። እቶም እቲ ዕሸል ዝገብሮም ግናኸ ዘይስምዑ ንኣሽቱ ምንቅስቓሳት ድማ፡ ብኣጻብዕ ኢድን እግርን ዝግበሩ ናይ ምሓዝ ምንቅስቓሳትን ናይ ምስትንፋስ ምንቅስቓሳትን እዮም። ኣብ ከባቢ መበል 25 ክሳዕ 30 ሳምንቲ ጥንሲ፡ እቶም ምንቅስቓሳት ቅርጺ ክሕዙ (ስርዓት ክህልዎም) ይጅምሩ፡ እቲ ዕሸል ድማ ካብ ኣስታት 40 ደቓይቕ ክሳዕ ሓደ ሰዓት ብዝጸንሕ ናይ ዕረፍቲ እዋናት ዝትካእ ናይ ንቕሓት እዋናት ይህልዎ።

ጥንሲ እናገስገሰ ብዝኸደ መጠን እቶም ምንቅስቓሳት ይልወጡ፡ እቲ ዕሸል ዝንቀሳቐሰሉ ቦታ እናጸበበ ስለ ዝኸይድ ድማ ዝተፈልዩ ኮይኖም ክስምዑ ይኽእሉ፡ ግናኸ እዚ ኣብቲ ዕሸል ክንደይ ሳዕ ከም ዝንቀሳቐስ ጽልዋ የብሉን። እተን ምሉእ ጥንሲ ዝሓዛ ደቀኣንስትዮ፡ ነቲ ምንቅስቓሳት ኸመይ ከም ዝስምዐን ክገልጻ ከለዋ ከምዚኦም ዝበሉ ቃላት ይጥቀማ፤ ሓያላት፡ ዝደፍኡ፡ ዝቐልዑ፡ ዓበይቲ፡ ካብ ጎኒ ናብ ጎኒ፡ ህዱኣትን ቀለልትን ምንቅስቓሳት።

እቲ ዕሸል ኣብ ናይ ንቕሓት እዋን ኣብ ዘለወሉ ግዜ መዓልታዊ ንእሽቶ ሰዓት ኣብ ምንቅስቓስ ዕሸል እንተ ኣተኲርኪ፡ ብዛዕባ ናይቲ ዕሸል ናይ ምንቅስቓስ ቅዲ ጽቡቕ ግንዛበ ክህልወኪ ይኽእል። እቲ ምዕዛብ፡ እቲ ዕሸል ንቑሕ ምዃኑ ኣብ ዝረጋገጸሉ እዋን ክፍጸም ኣገዳሲ እዩ(ኣብ ናይ ዕረፍቲ እዋን እቲ ዕሸል ዝያዳ ህዱእ እዩ ዝኸውን)። ዕሸላት ክሳዕ ክንደይን ብኸመይ ብብርቱዕን ከም ዝንቀሳቐሱ ካብ ዕሸል ናብ ዕሸል ዓቢ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ማይንድ-ፈታልነስ ዝተጠቀማ ደቀኣንስትዮ ነቲ ሜላ ኣብ ዝትግብራሉ ዝነበራ እዋን ህዱኣት፡ ህልዋትን ኣተኮርትን ኮይኑ ከም ዝተሰምዐን ይገልጻ። ነቲ እዋን እውን ምስቲ ዘይተወልደ ዕሸለን ከም እተዘራረባሉን ምስቲ ዕሸል ድልዱል ምትእስሳር ከም ዝፈጠረለን ገሊጸንኦ። እቲ ሜላ ንዓኺ ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ባዕልኺ ጥራይ ኢኺ ክትውስኒ እትኽእሊ።

ጽማቕ

ኣብ መንጎ መበል 25 ክሳዕ 30 ሳምንቲ ጥንሲ፡ እቶም ምንቅስቓሳት ቅርጺ ክሕዙ ይጅምሩ፡ እቲ ዕሸል ድማ ካብ ኣስታት 40 ደቓይቕ ክሳዕ ሓደ ሰዓት ብዝጸንሕ ናይ ዕረፍቲ እዋናት ዝትካእ ናይ ንቕሓት እዋናት ይህልዎ። መብዛሕትኦም ዕሸላት፡ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ ናይ ለይትን ቀትርን ዑደት (ቅዲ) ይህልዎም እሞ ምሸት ምሸት ንጡፋት ይኾኑ።

ኣብ መበል 32 ሰሙን ጥንሲ፡ ብዛዕባ እቲ ዕሸል ክንደይ ሳዕ ከም ዝንቀሳቐስ ርግእ ዝበለ ደረጃ (platåfas) ይግለጽ፡ ግናኸ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ ምንቅስቓሳት ይንኪ እዩ ዝብል ምንም መርትዖ የለን።

ዕሸላት ክሳዕ ክንደይን ብኸመይ ብብርቱዕን ከም ዝንቀሳቐሱ ካብ ዕሸል ናብ ዕሸል ዓቢ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ኣብ እዋን ጥንሲ ናይ ዕሸልኪ ናይ ምንቅስቓስ ቅዲ ኣለልዪ። ናይ ውሽጥኺ ስምዒት እመኒ፤ እቲ ዕሸል ዝወሓደ ወይ ዝደኸመ ምንቅስቓስ የርኢ ኣሎ ኢልኪ እንተ ተጨኒቕኪ፡ ንክንክን ጥዕና ተወከስዮ።

ሕቶታትን መልስታትን ብዛዕባ ምንቅስቓስ ዕሸል

ዕሸልኪ ኣብ ማህጸን እንታይ ይገብር?

እቲ ዕሸል እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ ምንቅስቓሳቱ ንጹርን በብቑሩብ ስሩዕን ይኸውን። ንኣሽቱ ምንቅስቓሳት ኣይስምዑኻን እዮም፡ ንኣብነት እቲ ዕሸል ዓባይ ዓባይቱ ክመጽው ከሎ ወይ ኣጻብዕ እግሩ ክዓጽፍ ከሎ። ምሽንዳሕን እቲ ዕሸል ሰብነቱ ክዝርግሕ ከሎን ብሓፈሻኡ ጽቡቕ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ፡ ብዙሓት ድማ ኣብቲ ናይ መወዳእታ እዋን ጥንሲ እቲ ዕሸል ሒቕሒቕታ ምስ ዝህልዎ ይስምዐን እዩ።

ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ጥንሲ እቶም ምንቅስቓሳት ንጹራትን ድልዱላትን እዮም፡ ግናኸ እቲ ዕሸል ዝንቀሳቐሰሉ ዝሰፍሐ ቦታ ካብ ዝነበረሉ እዋን ክነጻጸር ከሎ፡ ብባህሪኡ ቁሩብ ዝተፈልየ ኮይኑ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ። እቲ ቦታ እናጸበበ ስለ ዝኸይድ፡ ገሊአን እቲ ዕሸል ሰብነቱ ከም ዝዝርግሕ ገይረን ይገልጻኦ። ካልኦት ድማ ነቲ ምንቅስቓሳት ምሉእ ኣካል እቲ ዕሸል ዘጠቓለለ ዓቢ ምንቅስቓስን ዝሕቱው ክኸውን ከም ዝኽእልን ገይረን ይገልጻኦ። እቲ ዕሸል እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ምንቅስቓሳት ዝያዳ ንጹር ይኸውን።

ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ እቲ ዕሸል ዝወሓደ ይንቀሳቐስ ዝብል ሓቂ ድዩ?

ኣይፋልን፡ ሓቂ ኣይኮነን። ናይቲ ዕሸል ምንቅስቓሳት ክሳዕ መበል 32 ሳምንቲ ጥንሲ ይውስኽ፡ ድሕሪኡን ክሳዕ እዋን ሕርሲን ድማ ብዝሒ እቲ ምንቅስቓሳት ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ይጸንሕ። እቲ ዕሸል ኣብ ምሉእ እዋን ጥንሲ ንጡፍ ኮይኑ ክቕጽል ከም ዘለዎ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ዕሸል ኩሉ ግዜ ይንቀሳቐስ ድዩ?

እቲ ዕሸል ኩሉ ግዜ ኣይንቀሳቐስን እዩ። ኩሎም ዕሸላት ንሓጸርቲ እዋናት ህዱኣት ይኾኑን ይድቅሱን እዮም። ዕሸላት ክሳዕ ክንደይን ብኸመይ ብብርቱዕን ከም ዝንቀሳቐሱ ካብ ዕሸል ናብ ዕሸል ዓቢ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ንገሊአን ሰባት ነቲ ምንቅስቓሳት ምስማዕ ዝያዳ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ድዩ?

ሓንቲ ሰበይቲ ብጸጋማይ ጎና እንተ ተጋዲማን ኣብቲ ምንቅስቓሳት እንተ ኣተኲራን፡ ነቲ ናይ ምንቅስቓሳት ምስማዕ ከቃልለላ ይኽእል። ገሊአን ግና ዋላ’ውን ከምኡ እናገበራ ናይ ዕሸል ምንቅስቓስ ንምስማዕ ኣዝዩ ከም ዝኸብደን ይገልጻ። ሰብ ኣዝዩ እንተ ተጨኒቑ፡ ነቲ ምንቅስቓሳት ምስማዕ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ እቲ ምንቅስቓሳት እናወሓደን እናደኸመን ከም ዝኸደ እንተ ተሰሚዑኒ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

እቲ ምንቅስቓሳት ብሓይሊ ወይ ተደጋጋምነቱ እንተ ነክዩን ካብቲ ናይቲ ዕሸል ንቡር ናይ ምንቅስቓስ ኣገባብ ዝወጸ እንተኾይኑን፡ እቲ ዕሸል ኣብ ማህጸን ጽቡቕ ከም ዘየለ ዘርኢ ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ። ምንካይን ምድካምን ምንቅስቓስ ዘጋጥመን ዳርጋ ኩለን ነፍሰጾራት ኣንስቲ ጥዑይን ድሑንን ዕሸል እየን ዝወልዳ፡ ግናኸ እቲ ዕሸል ሕማቕ ከም ዘሎ ዘሎ ተኽእሎ ዝለዓለ እዩ። እቲ ምንቅስቓሳት እናወሓደን እናደኸመን ከም ዝኸደ እንተ ተሰሚዑኪ፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ናይ ቀደም ፍልልይ ከም ዘለዎ እንተ ተረዲኡኪ፡ ክሳብ እቲ ዕሸል ተመርሚሩ ዝረጋገጽ እዚ ከም ንቡር ነገር ተገይሩ ክውሰድ የብሉን።